Friday , April 19 2024

ኣስልጣኒ ራፋ ቤኒተዝ ካብ ኒውካስትል ይፋኖ!

ንክለብ ኒውካስተል ካብ ወሪዳትሉ ዝነብረት ታሕተዋይ ዺቪዝዮን ዝመልሳን ህላውኣ ኣብ ፕሪመር ሊግ ዘውሓሰ ስጳኛዊ ኣሰልጣኒ ራፋ ቤኒተዝ ምስ ኣካየድቲ እዝ ጋንታ  ክሰማማዕ ብዘይ ምኽኣሉ ክገድፋ ወሲኑ። በዚ መስረት ምስ ርብሕ ዝበለ መሃያ ማለት  ዓመታዊ ስጋብ 12 ሚልዮን ኤሮ ክኸፍልኦ ቅሩባት ናብ ዘለዋ ክለባት ቻይና ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ይንገር ኣሎ።

ራፋ ቤኒተዝ ዝሓለፈ ዓመት ንኒውካስል ብዘይ ብዙሕ ወጻኢታትን ኣብ መበል 13 ደረጃ ሒዛ ክትውድእ ዝገበረ ኣስልጣኒ ሕጂ ግን ምስ  ወናኒኣ ማይክ ኣሽሊ ኣብ ምፍራም ሓደስቲ ተጻወቲ ገንዘብ ክስልዕሉ ብዘይምኻሎም ኣዩ ዝገድፋ ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com