Friday , March 29 2024
CESARE ABBATE/TT

ኣስከሬን ሓደ ፈረስ ምስ ኮረሻኡ ጥቓ ግምቢ ፖምፐይ ከም እተረኽበ ተገሊጹ።

ኣስከሬን ሓደ ፈረስ ምስ ኮረሻኡ ጥቓ ግምቢ ፖምፐይ ኣብ ሓደ ቪላ ብስነ-ኲዕታ ከም እተረኽበ ተገሊጹ።

ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ነቲ ኲነታት “ሳሕቲ ጥራይ ዝርከብ ብርቂ ዳህሳስ” ብምባል ገሊጾሞ’ለዉ። እቲ ፈረስ ምስ ምሉእ ዕጥቁ ካብቲ ንከተማ ፖምፔይ ዝሃሞኻ እሳተ ጎመራ ንምምላጥ ምስ ተወጣሒኡ ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበረ እዩ ዝመስል።

ኣስከሬን እዚ ምስ ኮረሻኡ እተረኽበ ፈረስ ኣብ ቪላ ሚስጥራት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ እዩ ተረኺቡ።

እዚ ቪላ ዋነንቱ ናይ ሓደ ጀነራል ወይ ላዕልዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ጥንታዊት ሮማ ዝነበረ ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ’ሎ።

ከተማ ፖምፔይን ኣብ ጐድቦኣ ዝነበራን ከተማታት ካብ ኣፍ እምባ ቬሱቬስ ብዝወጸ ሚልዮናት ቶናት ዝግመት ሓሙዂሽቲ እሳተ ጐመራ ተሃሙኸን ካብ ታሪኽ ከም እተሓካ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com