Thursday , April 25 2024
Foto: Fareed Khan/AP/TT

ኣስያ ቢቢ ዕቚባ ንምንዳይ ካብ ፓኪስታን ሃዲማ ተባሂሉ።

እታ ንእምነት እስልምና ብምንሻው ብሞት ተፈሪዳ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐት ኣማኒት ክርስትና ዝኾነት ኣስያ ቢቢ ካብ ፓኪስታን ሃዲማ ተባሂሉ።

ንሳ ምስ ጐረባብታ ኣብ ዝወዓለቶ ቈይቂ ንነብዪ መሓመድ ጸሪፍኪ ተባሂላ እያ ብ 2010 ተኸሲሳ ኔራ።

ንሳ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ካብ ኣፋ ከም ዘይወጸ ብምክርኻር ንጽህናኣ ክፍለጠላ ክትጣበቕ ጸኒሓ እያ።

ሰብመዚ ፓኪስታን ቢቢ ናበይ ተሰዊራ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህብሉ ኣይደለዩን።

ጠበቓኣ ሰይፍ ኣል ማሉክ ግና ንሳ ናብቲ ድሮ ክልተ ደቃ ዕቚባ ሓቲተን ዝነብራሉ ሃገር ካናዳ ምእታዋ ተፈሊጡ’ሎ ምባሉ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com