Friday , April 19 2024

ኣባል ሓደ ሃይማኖታዊ ጒጅለ ነበር ብጾታዊ መጥቃዕቲ ይኽሰስ።

ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን ሰለስተ ኣባላት ክርስትያናዊ ጒጅለ ሃይማኖት ነበር ብጾታዊ ምዝመዛን መጥቃዕትን ምኽሳሱ ተፈሊጡ።

እዚ ጒጅለ ኣብ ሰሜን ኣፕሳላ ዝርከብን ጴንጠቘስጠ Knutby ተባሂሉ ዝፍለጥን እዩ።

ሸሞንተ ኣባላት እዚ መጓሰ ኣብ ዓመታት 2015ን 2018 ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ምዃኖም ከኣ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሓንቲ ካብተን ተኸሰስቲ Åsa Waldau ዝተባህለትን ኣብቲ ቤተክርስትያን “መርዓት ክርስቶስ” ብዝብል ቅጽል ስም እትፍለጥን ዝነበረት እያ።

እዚ ሃይማኖታዊ ጒጅለ ኣብ ኣባላቱ ጎነጽን ኣስገዳድን ከም መሳርሒ ሃይማኖት ዝጥቀም ዝነበረ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ክልተ ካብቶም ተኸሰስቲ ነቲ ክሲ ኣይወዓልናዮን ኢሎም ኣለዉ። እቲ ጒጅለ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ከም እተበተነ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com