Saturday , April 20 2024

ኣባል ባይቶ ሽወደን ዝኾነት Emma Carlsson 300 ሽሕ ክሮነር ክትመልስ ምኻና ተፈሊጡ።

ኣባል ባይቶ ሽወደን ዝኾነት Emma Carlsson ካብ ከፈልቲ ቀረጽ እተረኽበ 300 ሽሕ ክሮነር ክትመልሶ እያ ተባሂሉ።

ኣባል ባይቶ ዝኾነት Emma Carlsson ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ሽወደንን ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ናይ ዝርከብ ወርሓዊ እትረኽቦ ዝነበረት ኣበል መንበሪ ብድምር 300 ሽሕ ክሮነር ክትመልስ እያ።

Carlsson ተወካሊት ከተማ Jönköping ኮይና ናይቲ ተኻርየዮ ዝበለቶ ላዕለዋይ ቤት ናይ መንበሪ ኣበል ትወስድ ምንባራን ጸኒሑ ዋንነቱ ናይ በዓል ቤታ ኮይኑ ምርካቡን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዛ ሰበይቲ 8500 ክሮነር ኣበል ቤት ትረክብ ምንባራን ዋጋ ብምግናን ናይ 13 ሽሕ ክሮነር ኣበል ክትረክብ ምጽንሓ ተፈሊጡ። 

ብተወሳኺ Emma Carlsson ካብቲ ትውክሎ ዝነበረት ሊበራላዊ ሰልፊ ሽወደን እውን ተኣልያ ከምዘላ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com