Wednesday , April 24 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ኣባይቲ ክንክን ሽማግለታት ኣብ እዋን ለበዳ ብዝነበሮ ጒድለታት ነቐፌታ ይወርዶ።

ኣባይቲ ክንክን ሽማግለታት ኣብ እዋን ለበዳ ብዝነበሮ ጒድለታት ብብርቱዕ ይንቀፍ ኣሎ ። ክሳብ እዚ እንውድኦ ዘሎና ወርሒ ክልተ
ሕምሲት ካብቶም ብሕማም ኮሮና ዝሞቱ ሰባት፥ ካብ ኣባይቲ ክንክን ሽማግለታት ምዃኖም፥ ካብ ስታቲስቲክስ “ቦርድ ጥዕናን
ድሕነትን” ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ብዘይካዚ “ማእከል ቢዝነስን መጽናዕቲታት ፖሊሲን” ኣብ እዋን ለበዳ ኣብ ክንክን
ኣባይቲ ዝነበረ ተመኲሮ ስራሕ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ብዙሕ ሕቶታት ኣልዒሉ’ሎ።
"እዚ ለበዳ ሰራሕተኛታት ክንክን ዘለዎም ጸቕጢ ኣመና ክውስኽ ምግባሩ፥ ምስ ካየድቲን ሰራሕተኛታትን ኣብ ዝገብርናዮ ሰፊሕ
ቃለ-መሕትት ክንርዳእ ክኢልና ኢና። ጥቡቕ ሞያዊን ውልቃዊን ምሕዝነት ምስ ዝነበሮም ተኣለይቲ ብሞት ክፈላልዩ እንከለዉ
ዓሚቚ ስምዒት እዩ ዝገድፈሎም" ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ነባር መምህር ከምኡ’ውን ሓንቲ ካብ ኣዳለውቲ እዚ
ሓድሽ መጽናዕቲን ፔትራ ኡልመነን ሓቢራ። እዚ መጽናዕቲ ትማል ረቡዕ እዩ ቀሪቡ። “ኮሚሽን ኮሮና መንግስቲ” ነበር ማትስ
መሊን ብወገኑ፥ ነዚ ጸብጻብ ድሕሪ ምንኣድ፡ እንተኾነ ግና ንእኡ ሓድሽ ከም ዘይኮነ ገሊጹ’ሎ።
“ኮሚሽንናን እዚ ጸብጻብን ኣብ ሓደ ዓይነት መደምደምታ እዮም በጺሖም ዘለዉ” ዝበለ ማትስ “ናብ ኣባይቲ ክንክን ተወሰኽቲ
ሰራሕተኛታት፡ ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኲነታትን ሕክምናዊ ሞያን መሳለጥያን” የድሊ’ሎ ኢሉ ኮሚሽኑ ለበዋታት ኣእትዩ ምንባሩ፡
እንተኾነ ግና እዚ ለበዋታቶም ክንድቲ ዝድለ ኣቓልቦ ከም ዘይረኸበ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com