Friday , March 29 2024
TIKSA NEGERI/TT

ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ፍርቀን ኣንስቲ ኮይነን

ዝሓለፈ ቀውዒ ኣቢይ መሓመድ ሓድሽ መራሒ ኢትዮጵያ ኮይኑ። ንሱ ኣብቲ ሃገር ብዙሕ ለውጥታት ገይሩ። ናይ ፖለቲካ እሱራት ተፈቲሖም። ውጉዳት ሰልፊ ፖለቲካ ኪነጥፉ ተፈቒዱሎም። እቲ ምስ ኤርትራ ዚካየድ ዝነብረ ነዊሕ ውግእ ድማ ደው ኢሉ።

ሕጂ ድማ ሓድሽ መንግስቲ መስሪቱ ኣሎ። ካብቶም ሚኒስትራት ፍርቆም ደቀንስትዮ እየን። እዚ ብርቂ ነገር እዩ። እዘን ሚኒስትራት ደቀንስትዮ፡ ኣብ ወትሃደራውን ኢንዱስትርያውን ንግድን መዳያት ዝነጥፋ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com