Wednesday , April 24 2024
Mitti.se

ኣብነታዊት መምህር

ጋዜጣ ሽወደን Aftonbladet ሓንቲ ሽወደናዊት መምህር ንህይወት 55 ዝኾኑ ሓተትቲ ዕቚባን መጻእተኛታት ተመሃሮኣን ብኣዎንታ ንምጽላው ዝተጻወተቶ ተራ ዝምልከት ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪባ።

ብመሰረት እዛ ጋዜጣ 46 ዝዕድሚኣ መምህር ካልኣይ ደረጃ Cecilia Duvfa ካብ 2017 ጀሚሩ እዩ ከምዚ ዝበለ ተገዳስነት ክሓድራ ዝኸኣለ።

ኣብቲ ዓመት ብዙሓት ተመሃሮ ናብ ኣብ Vermo ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ Gustavsbery High School መጺኦም።

መብዛሕትኦም 18 ዝዕድሚኦም ብምዃኖም ትምህርቶም ክቕጽሉ ኣይከኣሉን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ግዜያዊ መጽለሊኦም ወጺኦም ኣባይቲ ከናድዩ ነበሮም።

ኣብዚ ግዜዚ እያ ብዙሓት ሰባት እተጸንበርዎን ሓገዝ ዘበርከቱሉን Frivilliga familjehem ዘቘመት።

ብዙሓት ካብዞም ተመሃሮ እዚ ቤትትምህርቲ ዝገበረሎም ሓገዛት ብምምስጋን Cecilia Duffa ኣዝዮም ዘመስግንዋ ሃብሮም ምዃና ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።

መንበሪ ጥራይ ዘይኮነ ትምህርትን ካልእ ሽግራቶምን ፍታሕ ኣብ ምርካብ እውን ከም እትሕግዞም ድማ ገሊጾም።

ጋዜጣ Värmdö ድማ በዚ ምኽንያት ሃብሮም ናይዚ ዓመት ክትብል ሰምያታ’ላ። ተመሃራይ “Mortiza” ምስ ጋዜጣ Aftonbladet ኣብ ዝገበሮ ዕላል ንሳ ንዕኡ ኩሉ ነገር ምዃናን ኣብ ብዙሕ ጒዳይ ከም እተማኽሮን ገሊጹ’ሎ።

Doveva ብወገና 55 ተመሃሮኣ ኣባይቲ ክረኽቡ ምሕጋዛን ሕጂ ድማ ስራሕ ከውሕሱ ኣብ ምንቅስቓስ ምህላዋን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com