Saturday , April 20 2024

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሽወደን ስጋብ 22 ዲግሪ ዝበጽሕ ሙቐት ከምዝህሉን ነበርቲ ከስተማቕሮዎ ይሕበሩ።

ብመስረት ሓበሬታ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሽወደን ዝልዓለ ዓቐን ዘለዎ ሙቐት ክህሉ ትጽቢት ይግበር። በዚ ሓበሬታ መሰረት ጸሓይ ዝዓብለሎን ብሓይል ሙቐት ዝተሰነየ ኩነታት ኣየር ኣብ መላእ ሽወደን ከምዝክሰትን፣ እቲ ዝልዓለ ስጋብ 22 ዲግሪ ዝተሓተ ድማ 10 ዲግሪ ዝዓቐኑ ሙቐት ከምዝህሉ ኪኢላ እዚ ዓውዲ ዮሃና ሪነ ን መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት ሓቢራ።

ንሳ ዛሕሊ ዘለዎ ኩነታት ሙሉእ ብሙልእ እኻ እንተዘይተቐየረ እዛ ትመጽእ ዘላ ሰሙን ግና ኣብ መላእ ሽወደን ዝልዓለ ሙቐት ከምዝህሉ እያ ትትንበ። በዚ መስረት ብወገን ነርወይ ዝነፍስ ንፋስ ብ ሓያል ዋዒ ስለ ዝስነ ካብ ሰኑይ ስጋብ ዓርቢ ዘሎ ግዜ ጽቡቅ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉን ኣብ ኖርላንድ ጥራይ ሓሓሊፉ ደበና ክህሉ ሙዃኑን ኩሉ ሰብ ብውሕልነት ከስተማቕሮ ጸዊዓ።

ብመረት ሓቤሬታ ረነ ሰኑይ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ስቬያላንድን ጎትላንድ ሲጋብ 15 ዲግሪ ዝበጽሕ ሙቐት ክህሉን፣ ኣብ መዓልታት ሰሉስን ሮቡዕን ድማ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል ገዲፍካ  ኣብ መላእ ዝሃገር ካብ 18 -19 ዲግሪ ዝዓቐኑ ሙቐት ክህሉ ትጽቢት ይግበረሉ። ካብኡ ብምቕጻል ዘሎ መዓልታት  መጠን ሙቐት ብምውሳኽ ስጋብ 20-22 ዝዓቐኑ ኣብ ከባቢታት ስቶክሆልምን ደቡባዊ ክፍላ ክህሉን ኣብ ከባቢ ሰሜን ድማ ስጋብ 10 ዲግሪ ክህሉ ሙኻኑ ኣብዛ ሰሙን ኩሉ ነዚ ፍሱህ ኩነታት ኣየር ከሰተማቕሮ ጻዊዕታ ተቕርብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com