Wednesday , April 24 2024

ኣብያተጽሕፈት ድሕሪ ተዅሲ ይግዕዛ

SamhälleTT

ኣብ ስፖንጋ-ተንስታ ምዕራብ ስቶክሆልም ዚርከባ ኣብያተጽሕፈት ናብ ካልእ ቦታ ግዒዘን። ብመሰረት STV ዜና፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሰብ ብተዅስን እምኒ ምድርባይን ሞኽ ምስ በለ እዩ። ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ጥቓ መእተዊ፡ ነቲ ጎማ ማኪና ሓዊ ኣእቲዮሙሉ።

እቲ ብመስከረም ኣብያተጽሕፈቱ ብተዅሲ እተረበሸ ማሕበራዊ ጉጅለ፡ ከም ናይ መንእሰያት ገበነኛታት-ነበር መዐረዪ እዩ ነይሩ። እቲ ትካል ነቶም ገበነኛታት ኣብቲ ቦታ ንኸይኣትዉ ይከላኸል ነይሩ፡ ድሓር ግን እቲ ሕግታት እናበርተዐ ምስ ከደ እቲ ግርጭት ተጓኒፉ።

ፐር ክየላንደር፡ ናይ ስፖንጋ-ተንስታት ሓላፊ ንSTV ከም ዝገለጸ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት ለውጢ ተራእዩ፡ ንሕና ድማ ርእይቶ ንረክብ ኔርና፥ ሕጂ ግን መጥቃዕቲ መጺኡና ዚብል እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ናይ ከተማ ምምሕዳር፡ ስም ብዘይብሉ ኢመይልን ወረቓቕትን ርእይቶታት ተቐቢሉ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com