Thursday , March 28 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ኣብያተ-ክርስትያናት ሽወደን ምስ ብዓል መዚ ሚግረሽን ቦርድ ተራኺቦም።

ትማሊ ሓሙስ 17 ጥሪ 2019 መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ሽወደን ብዓል መዚ ሚግረሽን ቦርድ ተራኺቦም ብዛዕባ ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ሓተትቲ ዑቕባን ምምሕያሽ ምሕደራ መርመራ ዘእትዉዎ ሕቶን ዘትዮም።

ኣስማት ንእክብ፡ መግለጺ ነውጽእ ኢና ስለዚ ድማ’ዩ ምዝርራብ የድለየና ኣሎ ንብል ዘሎና። ኲሉ ዝከኣለና ንገብር ኢና።

እቲ ዝበለጸ ዝእመነሉ ግና ጸሎት እዩ ይብል ዳይረክተር ጴንጠቆስጠ ዳኒኤል ኣልም።

ብተመሳሳሊ ቢሮ ቆንስል ክርስትያናት ምስ ምስ ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ብኣጋጣሚ ወፍሪ መሰል እምነት እተኣከበ 18ሽሕ ክታም እዘን ኣርባዕተ ማሕበረሰባት ( ኢኩመንያ፥ ወንጌላዊት፥ ጴንጠቆስጠን ተልእኾ ጥምረት ሽወደንን) ከረክቡ እዮም።

ምስ ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን ኣብ ዝግበር ኣኼባ ብኣካል ዘይሳተፍ ኣልም እዚ ኣኼባን ውሳነን ኣብያተክርስትያናት ካብ ብዙሕ ዘይዕግበት ኣሰራርሓ ዝነቐለ ምዃኑ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ ጽሒፍና ኣኼባ ጌርና ተዛሪብና ኢና፥ ግና ጸማም እዝኒ እዮም ክህቡና ጸኒሖም።

ዑቕባ ዝሓቱ ሃይማኖቶም ዝቐየሩ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ኣብጻር ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን ዝተገብረ ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከኣ ከም ኣብነት ኣልዒሉ።

ክርስትና ኣብ ፍሉይ ግላዊ ርክብ ኣምላኽን ኣማኒን እተመስረተ ምዃኑ ብኸመይ ክነርዶኦም እዮም ዝደልዩና ዘለዉ ክብል ዳኒኤል ኣማሪሩ።

ክሳብ ሕጂ ንምስክር ወረቐት ኣባልነት ኣብያተ ክርስትያን ሸለል ክብልዎም ምጽንሖም ድማ ድሕሪ ምውቃስ ናትና ጸገም እውን ኣብዚ ኣስተዋጾኦ ጌሩ እዩ ኢሉ።

እዚ ማለት ኲሎም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ብኡንቡኡ ክፍነዉ ኣለዎም ማለተይ ኣይኮንኲን። እዚ ጅምላዊ ምንጻግ ግና ቅቡል ኣይኮነን።

ብዓል መዚ ሚግረሽን ቦርድ ሽወደን በዚ እንገብሮ ዘሎና ጥርዓናት መትከላቱ ክኽልስ ተስፋ ክንገብር ኢና ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com