Thursday , March 28 2024
German Chancellor Angela Merkel (AP Photo/Markus Schreiber) MSC113

ኣብ ሃገረ ጀርመን፡ ክታበት፡ ከም ግዴታዊ ረቛሒ ንምግባር፡ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ሃገረ ጀርመን፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ምኽታብ፡ ግዴታ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ፡፡ እቶም ክታበት ምቕባል ዝኣብዩ ሰባት፡ ኣብ ብዙሕ ህዝባዊ ቦታታት ካብ ምእታው ክኽልከሉ እዮም ክትብል ቻንስለር፡ ኣንገላ መርከል፡ ኣዊጃ። እዞም ቦታታት፡ ከም መግብን ካልኦት መሰረታውያን ሃለኽቲ ዘይሸጡ ናይ ንግዲ ቦታታትን ጽምብላትን ዘጠቓልሉ እዮም።

መርከል፡ ምስ መራሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን ድሕሪ ምርኻባ፡ ኣብ ሃገርና ከቢድ ኩነታት እዩ ዘንጸላሉ ዘሎ ክትብል ገሊጻ።

ኣብቲ ርክብ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ጀርመን፡ ማስክ ምውዳይ ክጅምራን ከምኡ ውን ክንደይ ሰባት ኣብ ሓደ ግዜ ክእከቡ ከምዝኸእሉ ናይ ምድራት ቀይድታት ክመሓላለፉ ምዃኖምን ተሰማሚዖም፡፡

ብመሰረት መግለጺ ኣንገላ ማርከል፡ ክታበት ከም ግዴታዊ ሮቋሒ ክውሰድ ዝጅምረሉ እዋን፡ ካብ ወርሒ ለካቲት ክተኣታቶ ይኸእል እዩ፡፡  ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ባይቶ ጀርመን፡ ድሕሪ ምዝርራብን ምክታዕን፡ ብሃገራዊ ባይቶ ሕክምና ጀርመን ጸዲቑ ኣብ ግብሪ ክውዕል  እዩ።

ኣብ ውሽጢ ዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ጥራይ፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን፡ ካብ 73 ሽሕ ሰባት ንላዕሊ ዝኾኑ ሓደስቲ ግዳያት ኮቪድ ተመዝጊቦም፡፡

ኣስታት 69% ናይቶም ልዕሊ 83 ሚልዮን ዝኾኑ ነበርቲ `ታ ሃገር ኣቐዲሞም ክታበት ዝወሰዱ እዮም፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com