Friday , April 19 2024
ስእሊ: PASCAL PAVANI/TT

ኣብ ሃገር ፈረንሳ ብሓያል ዝናምን ጸፍዕን 13 ሰባት ይሞቱ

ኣብ ኤውሮጳ ሓያል ዝናምን ጸፍዕን ዕንወት ኣስዒቡ።

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ፈረንሳ ብዝናብን ጸፍዕን ብውሑዱ 13 ሰባት ሞይቶም።

ብመሰረት ዞባዊ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ሰንበትን ሰኑይን ኣብ ዝነበራ ገለ ሰዓታት ምስ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዝናም ዚመጣጠን ዝናም ኣብቲ ቦታ ዘኒቡ።

እቲ ውሕጅ ንማኪናታት ገላቢጡወን፡ ነህንጻታት ድማ ኣፍሪሱ። ናይ ድሕነት ሄሊኮፕተራት ብሰንኪ እቲ ጸፍዒ ኪሰርሓ ኣይከኣላን።

– ገለ ሰባት ኣብ ገዛውቶም እተዓብጡ ኣለዉ። ነዚኣቶም ብጃልባ ዘይኮነስ ብሄሊኮፕተራት ኢና እነጎዓዕዞም፡ ይብል ሓላፊ እቲ ዞባ፡ ኦድ ኣላ ቲርዮን።

እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ማይ ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ። ኣብያተትምህርቲ ተዓጽየን፡ ነበርቲ ድማ ኣብ ገዛ ኪጸንሑ ተነጊሩዎም።

ኣብ ፖርቱጋል እውን ብተመሳሳሊ ሓደጋ ብውሑዱ 27 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ምዕራብ ኖርወይ እውን ናይ ማይ ምጥልቕላቕ ተራእዩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com