Tuesday , April 23 2024

ኣብ ሆላንድ፡ ሸውዓተ ሰባት እተተለመ ግብረ ሽበራ ንኸካይዱ ተጠርጢሮም ተታሒዞም

ኣብ ሆላንድ፡ ሸውዓተ ሰባት እተተለመ ግብረ ሽበራ ንኸካይዱ ተጠርጢሮም ተታሒዞም ኣለዉ፡ ይብል ውሽጣዊ ዜና ማዕከን።

ንሳቶም ካብ 21-34 ዕድመ ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ከተማ ኣርንሀምን ቨርትን እዩ ሓሙስ ድሕሪቀትሪ እተታሕዙ። ኣብቲ እተታሕዙሉ ግዜ ኸኣ ሓሙሽተ ቀለልቲ መሳርያታት ተረኺቡሎም ኣሎ።

ሓደ ካባታቶም ዜጋ ኢራቕ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣይ.ኤስ ተሓባቢርካ ተባሂሉ ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብ ምርመራ ዝነበረ ከም ዝኾነ እቲ ናይ ሃገር ሆላንድ ኣኽባርሕጊ ንጋዜጣ ደ ተለግራፍ ይሕብር። ክልተ ካብቶም እተታሕዙ ቅድሚ ሕጂውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ተፈሪዶም ነይሮም እዮም። እዞም ጥርጡራት ኣብ ኢዶም ተተኮስቲ ነገራትን ጠበናጁን ነይሩዎም። ነዚ ድማ ኣብ ገለ ጽምብላት ወይ በዓላት ኪጥቀሙሉ ሓሲቦም ነይሮም ይብል ቲቪ ቻነል ኣር.ቲ.ኤል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com