Thursday , April 25 2024

ኣብ ሊብያ ብደብዳብ ነፈርቲ ብዙሓት ስደተኛታት ግዳይ ሞት ኮይኖም!!

ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ሊቢያ ከተማ ትሩቡሊ ዝርከብ መዕቕቢ ሰደተኛታት ዝተካየደ ደብዳብ ነፈርቲ ብዙሓት ስደተኛታት ግዳይ ሞትን ሞቕሰልትን ይንገር ኣሎ። እዚ ኣብ መዕቕቢ ታጁራ ዘጋጠመ ደባዳብ ዛጊድ 40 ሰባት ክሞቱ ከልዉ ኣስታት 80 ሰባት ግዳይ ፎኪስን ከቢድን ሞቑሰልቲ ከምዝኾነ ኣብ ትሩቡሊ ዝርኸብ ዓለምለኻዊ ተፋላጥነት ዘለዎ መንግስቲ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ኣብምፑላንስ ከተማ ትሩቡሉ ዑስማን ዓሊ ን AFP ኣብ ዝሓበሮ ኣብቲ መጽለሊ ኣስታት 120 ሰደተኛታት ከምዝነበሩን ቑጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሓይልታት ብ ጀነራል ሓፍታር ዝምርሑ ዝተፈነወ ሙኻኑ ይሕበር ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com