Wednesday , April 24 2024
Anders Wiklund/Berit Roald /TT

ኣብ ልዕሊ መማሃራን ዝወርድ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ርኡይ ወሰኽ ጌሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ኣከባቢ ኣብ ልዕሊ መማሃራን ዝወርድ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ርኡይ ወሰኽ ጌሩ’ሎ።

ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት እዚ ተርእዮ ብዕጽፊ ዓብዩ’ሎ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ኣብ ስቶክሆልም ኣብ እትርከብ ቤትትምህርቲ Hjulsta grundskola ጥራይ ልዕሊ 50 መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ መማህራን ምውራዱ’ውን ተጠቒሱ’ሎ።

ሬድዮ ሽወደን ብሰንኪ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝለቐቐ መምህር ዝገበረቶ ዕላል ዝሓዘ ጸብጻብ ፈንያ ኔራ።

እዚ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ መምህር ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ተመሃራይ ብጉስጢ ኣብ ገጹ ከም ዝሃረሞ ገሊጹ።

ካልእ መምህር ብሰንኪ ዝወረዶ ከቢድ ናይ ደረት መጥቃዕቲ ዕረፍቲ ወሲዱ ኣብ ቤቱ ይእለ ምህላዉ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

እዞም ጸገማት ብምምሕዳር እተን ኣብያተ ትምህርቲ ብግቡእ ይእለዩ ዘይምህላዎም እቶም መምሃራን ነቒፎም።

ርእሰ መምህር Helen Hodges ግና ነዚ ነጺጋቶ’ላ። “ስጒምቲታት ክንወስድ ምስ ጀመርና ካብ ዝሓለፈ ኣየት ጀሚሮም ኲነታት ተምሓዪሾም እዮም።” ትብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com