Tuesday , April 23 2024

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተ ስለያ ክገብር ዝጸንሐ ሽወደናዊ ተኣሲሩ ክትብል Dagens Nyhter ጸብጺባ።

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዒራቕ ተቐማጦ ሽወደን ስለያ ክገብር ዝጸንሐ ሽወደናዊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ክትብል Dagens Nyhter ጸብጺባ።

45 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰላይ ብዛዕባ ዒራቓውያን ስደተኛታት ንኻልእ ሃገር ስለያዊ ሓበሬታ ክህብ ጸኒሑ ብዝብል ጠርጠራ እዩ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ኣትዩ ዘሎ።

ሓደ ካብ መቕርብ ጥርጡር እዚ ሰብ ካሜራ ዘይፍለዮ ምንባሩ ብምሕባር በቲ ኲነታት ምስንባዱ ገሊጹ’ሎ።

ንሱ ንዝቐረበሉ ክሲታት ብምልኡ ምንጻጉ ጠበቓኡ Hannah Lindblum ገሊጻ’ላ።

ወኪል ስለያ ሽወደን እዚ ጥርጡር ንነዊሕ ግዜ ክከታተልዎ ምጽንሖምን ሕጂ መሰል ጠበቓኡ ተሓልዩሉ ጽንዕ ዝበለ መርመራ ይካየደሉ ምህላዉ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com