Wednesday , April 24 2024

ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ማልሞ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ፖሊስ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም።

እዚ ምፍንጃር ቅድሚ ትማል ምሸት ኣብ ከባቢ ቤትብልዒ Lilla Torg እዩ ኣጋጢሙ።

ኣብ ሰብ ዘውረዶ ጒድኣት የለን እንተኾነ ግና እቲ ቤትመግቢ ዕንወት ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ።

ኣፈኛ ፖሊስ ከም ዝገለጸቶ ፖሊስ ከባቢ 1፥49 እዮም ብዛዕባቲ ምፍንጃር ሓበሬታ መጺእዎም።

ጒጅለ ሃንደሳ ፖሊስ ከኣ ነቲ ቦታ ብምዕጻውን ምኽርዳንን ምርምሮም ኣብ ምክያድ ይርከቡ ኣለዉ ተባሂሉ።

እቲ ምፍንጃር ኣብቲ ቤትመግብን ኣዋሰንቲ ከባቢታትን ጒድኣት እኳ እንተውረደ ብእሳት ዝተሰነየ ዘይምንባሩ እታ ኣፈኛ ሓቢራ’ላ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብዛ ቦታ ናይ እሳት ሓደጋ ተኸሲቱ ምንባሩን ምስዚ ናይ ሕጂ ሓደጋ ምትእስሳር ኣለዎ ኢሎም ፖሊስ ከም ዝኣምኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ፖሊስ ብዛዕባቲ ፍጻመ ምሉእ ሓበሬታ ከም ዘለዎምን ነቶም ገበርቲ እከይ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምእታዎምን ብምግላጽ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com