Thursday , April 18 2024
isabell Höjman/TT

ኣብ መላእ ዓለም ሕማም ኣእምሮ ይሰፍን ኣሎ

ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሪ ናይቶም ብሕማም ኣእምሮ ዚሳቐዩ ይልዕል ኣሎ። ኣብ መንጎ 2010-2030 ዘሎ ግዜ፡ እዚ ጸገምዚ ነቲ ዓውለማዊ ቁጠባ 16 ቢልዮን ዶላር ኪሳራ ከምጽኣሉ እዩ፡ ማለት ኣስታት 145 000 ሚልያርድ ክሩነር።

ካብቲ እተባህለ ብዝሒ ገንዘብ፡ ንሕክምናን ንመድሃኒትን ዚሃልኽ ወጻኢታት እዩ። እዚ ቀጥታዊ ኪኸውን ከሎ፡ ዘይቀጥታዊ መገዲ ድማ ጸገማት ፍርያትን፡ ናይ ማሕበራዊ መነባብሮ ሓገዛትን መጠን ኣባላት ፖሊስን ክብ ኪብል እዩ፡ ይሕብር ዘ ላንሰት ዚብሃል ጋዜጣ።

እቲ ኩነታት ኣስጋኢ እዩ፡ ይብል ቪክራም ፓተል ፕሮፈሶር ኣብ ሃርቫርድ መዲካል ስኩል፡ ኣመሪካ።

ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ሕማም ኣእምሮ ኣብ ዓለም እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። ይኹንምበር፡ ነዚ ሕምማዚ ንምክልኻል ወይ ንምብዳእ እኹል ጻዕሪ ዝገበረት ሃገር የላን።

ወድሰብ ከም ሕማም ኣእምሮ ገይሩ ካልእ ሸለል ዝበሎ ሕማም የልቦን፡ ይብል ፓተል።

እቲ ጸብጻባት ብ28 ኣህጉራውያን ክኢላታት ሕማም ኣእምሮ ዝቐረበ እዩ። እዚ ድማ ንወድሰብን ንማሕበረሰብን ንቁጠባን ዓለም ጎዳኢ እዩ፡ ብምባል ብተወሳኺ ይገልጽ።

ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና (WHO) ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 300 ሚልዮን ሰባት ብዲፕረሽን ወይ ጭንቀት 50 ሚልዮን ድማ ብሕማም ምርሳዕ ከም ዚሳቐዩ ይገልጽ። ናይ ባይፖላር ሕሙማን 60 ሚልዮን ኪኾኑ ከለዉ፡ ብስኪዞፍረንያ ዚሳቐዩ ድማ 23 ሚልዮን እዮም።

ብመሰረት ጸብጻባት ዘ ላንሰት፡ እቶም ናይ ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ብጉድለት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንኣብነት ብምእሳርን ምቕጥቃጥን ብምግፋዕን ዝሓመሙ እዮም።

እቲ ጸብጻብ ንሚኒስትራዊ ኣኼባ ተባሂሉ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ኣብ ሎንዶን ኪሕተም እዩ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com