Saturday , April 20 2024

ኣብ መረጻ ሃንጋሪ ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኦርባን ንፕረዚደንት ዩክረይን ነቒፉ

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ሃገራዊ መረጻ እታ ሃገር ንራብዓይ ግዜ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ።

ኣፈናዊ ውጽኢት እቲ መረጻ፡ የማናዊ ክንፊ ሰልፊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር 53.1% ድምጺ ናይቲ ዛጊት ተቖጺሩ ዘሎ (98%) ከም ዝተዓወተ የመልክት።

እቲ ብፒተር ማርኪ-ዛይ ዝምራሕ ልፍንቲ ተቓውሞ ድማ 35% ድምጺ ምርካቡ ይግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኦርባን ንዝረኸቦ ዓወት ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንሰብ መዚ ብራስለስን ፕሬዝደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘሌንስኪን “ተቓወምቲ” ክብል ነቒፉ።

“እዚ ዓብዪ ዓወት’ዩ። ኣብ ወርሒ ኮይኖም ክርእዩዎ ይኽእሉ’ዮም። ብርግጸኝነት ካብ ብራስለስ” ክብል ተዛሪቡ።

Källa BBC TIGRINJA


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com