Saturday , April 20 2024
Fredrik Sandberg/TT

ኣብ መርመራ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ናይ ዝተርፉ ቁጽሪ ይውስኽ

በዓል መዚ መጒዓዝያ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ስታቲስቲክ፡ ኣብ መርመራ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ (ናይ ቃል) ምዝዋር መኪና ናይ ዝተርፉ ቁጽሪ ኣዝዩ ከምዝዓበየ የርኢ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ቁጽሪ ናይቶም ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ንክልሰ-ሓሳባዊ ፈተና ብዓወት ዝሓለፍዎ ተፈተንቲ 43.8% ናይቶም ፍቓድ መምርሒ መኪና (ናይ ገዛ መኪና) ንምርካብ ዘመልከቱ ነይሩ።

እቲ ቁጽሪ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መዝገብ (45.2%) ጥራይ ዘይኮነ ካብ 2004 ኣትሒዙ ካብ ዝተሰነደ ስታቲስቲክስ መጒዓዝያ እቲ ዝተሓተ ኮይኑ ተረኺቡ።

ጠንቅታት

ብርእይቶ ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ በርት ዮሃንሰን፡ ብዙሓት ምኽንያታት እኳ እንተሃለዉ ብሓፈሻ ግን ሰባት ንክእለቶም ካብ ክዉን ንላዕሊ ኣዕብዮም ካብ ምውሳድን ንደረጃ እቲ መርመራ ድማ ኣቕሊልካ ካብ ምርኣይን ዝተላዕለ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ርእሲ’ዚ ወሲኹ፡ እቶም ተሳተፍቲ ቀደም ዝያዳ ሓላፍነት ይስከሙ ከምዝነበሩን ኣብ ናይ ክልሰ-ሓሳብ (ናይ ቃል) መርመራ ምትራፍ ከም ከቢድ ነገር ይውሰድ ምንባሩን ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን እቲ ኣረኣእያ ብምቕያሩ ሰባት ሓንሳብ እንተተሪፎም እቲ መርመራ ደጋጊሞም ክወስድዎ ከም ዝኽእሉ እዮም ዝሓስቡ ይብል።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com