Wednesday , April 24 2024

ኣብ መስኮት ኣፍንጫኡ (ሶርኖኡ) ስኒ በቚልዎ ዝተረኽበ ሰብኣይ

እቲ ሰብኣይ 59 ዓመት ዝዕድሚኡ ዴንማርካዊ እዩ።

ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት መመላእታ ብሰንኪ መዕበስቲ ኣፍንጫ ዝኾነ ዓይነት ሽታ ምፍላይ ስኢኑ ካብ ኣፍንጫኡ ብዝወጽእ ዘየቋርጽ ጸረርታ ክሳቐ እዩ ጸኒሑ።

ምስጢር ናይቲ ሕማም ነቶ ምዝመርመርዎ ሓካይም እኳ ክጋሃደሎም ኣይከኣለን።

ኣብ ክልተ ዓመቱ ግን እቲ ሰብኣይ ሩፍታ ዝረኸበሉ እቶም ሓካይም ድማ ኣዝዮም ዝተገረሙሉ ክስተት ብመርመራ ተበጽሐ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ንእስነቱ መንቃዕቲ ሶርኖ ኣፍንጫን መንጋጋን ከም ዝነበሮ ዝሕብር ሕክምናዊ ታሪኽ እኳ እንተነበሮ እዚ ግን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኣፍንጫኡ በቚሉ ዝተረኽበ ስኒ ጠንቂ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝእምት መርትዖ ከም ዘይረኸቡ እቶም ሓካይም ይገልጹ።

እቶም ሓካይም ነቲ ብናይ ሲቲ ስካን መርመራ ዝተረኽበ ስኒ ኣብ ሆስፒታል ናይ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ብሓገዝ ኢንዶስኮፕ ዝተባህለ መሳርሒ መጥባሕቲ ብምክያድ ከም ዘውጽእዎ ምንጪ ናይዚ ዜና ይገልጽ።

ድሕሪ እቲ ዕውት መጥባሕቲ እቲ ሰብኣይ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሕማሙ ተፈዊሱ ሩፍታ ካብ ዝረክብ ሓደ ወርሑ ኣቚጺሩ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com