Friday , March 29 2024
Henrik Montgomery / TT

ኣብ መስጊድ ዮተበሪ ቅትለት ንምፍጻም ወጢንካ ተባሂሉ እተጠርጠረ ሰብ ብናጻ ተለቒቑ።

ፖሊስ ሽወደን ትማል ምሸት ነዚ ቅትለት ንምፍጻም ወጢንካ ተባሂሉ እተጠርጠረ ሰብ ብናጻ ለቒቑ’ሎ።

እቲ ጥርጡር ነበር ገዝኡ ብፖሊስ ከም እተፈተሸን ኣብ ገዝኡ ኣውቶማቲክ ክላሺን ትህሉ እያ ዝብል ጥርጣረ ከም ዝነበረን ዛጊት ግና ምንም ከም ዘይረኸቡን እዮም ገሊጾም።

እቲ ሰብኣይ ኣብ እስልምናን ኣመንቱን ጽልኢ ከም ዝነበሮ ብተደጋጋሚ ዝገለጸ ኮይኑ ኣቐዲሙ ናብቲ መስጊድ Bellevue ብምኻድ ኣበየናይ ሰዓት እዮም ምእመናን ብብዝሒ ዝእከቡ ኢሉ ከም ዝሓተተን ተፈሊጡ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com