Thursday , March 28 2024

ኣብ መንስትሮስ (Mönsterås) እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ለበዳ ኮሮና፡ ኣስፋሕፊሑ

ኣብ መንስትሮስ (Mönsterås) እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ለበዳ ኮሮና፡ ከምዝተራእያን ከም ሳዕቤኑ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት፡ 30 ተማሃሮን 20 መማህራንን ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ጋዜጣ ባሮሜተርን (Barometern) ኣብ ዓምድታቱ ኣስርፊሩ።

እዞም ቁጽርታት፡ ክሳብ ሕጂ ተፈሊጦም ዘለዉ ኮይኖም፡ ወለዲ፡ ኩነታት ደቆም ተኸታቲሎም ሓበሬታ ምስ ሃቡና፡ እቲ ቁጽሪ ክዛይድ ተኽእሎታት ኣሎ። ስለዚ፡ ወለዲ ተማሃሮ መባእታ ቤት ትምህታት ይኹኑ መዋእለ ህጻናት፡ ተቐላጢፎም ሓበሬታ ከመሓላልፉ ይግባእ ክብል ሓላፊ እታ ቤት ትምህርቲ፡ ማግኖስ ኾስቴድ፡ ሓቢሩ ብምባል እታ ጋዜጣ ኣቃሊሓ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com