Saturday , April 20 2024
Jessica Gow/TT.

መጻኢ ዕድል ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣትው።

ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ውድባት ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት(Arbetsformedlingen) ብሓያሎ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ዝዋፈራ ናእሽቱ ኩባንያታት ክትካእ ምኻኑ ተፈሊጡ።

እዚ ትካል “ስራሕ ንዘይብሎም ሰባት ብዙሕ ኣይሓገዘን” ዝብል ተሪር ነቐፌታ ድሕሪ ምእንጋዱ ኣብ መንጐ ሰልፊታት ሶሻል ዲሞክራትስ (S) ሓምላይ (MP) ማእከላይ (C) ከምኡ’ውን ሊበራላዊ (L) ሰልፍታት ነዚ ትካል ዳግማይ ንምህናጽ ስምምዕ ተበጺሑ’ሎ።

ኣባል ባይቶ ማእከላዊ ሰልፊ Martin Adahl “ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት(Arbetsformedlingen) መሰረታዊ ዳግመ ህንጻ ክግበሮ እዩ” ኢሉ’ሎ።

እዚ ዳግመ ህንጻ ትካላት ናጻ ኣገልግሎት ስራሕ ንዘይብሎም ሰባት ስልጠና ክህባን ንዖኦም ዝኸውን ስራሕ ደሊኻ ምሃብን ዘጠቓልል እዩ።

ንሰባት ስራሕ ኣብ ምርካብ ክሳብ ክንደይ ዕዉታት ኔረን ብዝብል መምዘኒ ከኣ እዘን ትካላት ኣገልግሎት ካሕሳ ክኽፈለን እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት(Arbetsformedlingen) ብጸጋማዊን የማናዊን ሰልፊታት ብዙሕ ነቐፌታ ዝበጽሖ ክኸውን እንከሎ እዘን ሰልፊታት እዚ ሽግር ዝፍታሓሉ ዝበሎኦ ናይ ባዕለን ኣገባብን ፍታሕን ኣቐሚጠን ኣለዋ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት(Arbetsformedlingen) 4500 ካብ ሰራሕተኛታቱ ከፋንው ምዃኑን ድሕሪ ምሓባሩ ብዙሓት ካብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ሻቅላ ኣትዮም ከምዘለው መራሒ ተጣበቅቲ መሰል ሰራሕተኛታት ኤስቲ (ST) Fredrik Andersson ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com