Saturday , April 20 2024
Christine Olsson/TT

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርለንዳ 2 ገያሾን ሰራሕተኛ ምቊጽጻር ንብረትን ተጓሲጦም።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርለንዳ ብሰንኪ ክብደት ሻንጣ 2 ገያሾን ሰራሕተኛ ምቊጽጻር ንብረት ከምዝተጓሰጡ ተፈሊጡ።

ኣብ መጸበዪ በረራ ወጻኢ ኣርለንዳ ክልተ ገይሾ ካብ ንቡር ኣዝዩ ዝኸብድ ሻንጣ ሒዞም ብምርካቦም ከቢድ ጭቕጭቅ ተኸሲቱ።

እዚ ዘጋጠመ ሰራሕተኛታት ምቊጽጻር ንብረት ገያሾ እዚ ክብደት ክጸዓን ከም ዘይክእል ምስ ተነግሮ ቊጥዐ ገያሻይ ብምልዓሉ እዩ።

ገያሻይን ሰራሕተኛ ምቊጽጻር ንብረትን ብኡንብኡ ክጓሰጡ ጀሚሮም።

መንዩ ነዚ መጥቃዕቲ ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ንሓድሕዱ ዝዋቓዕ ሓበሬታ ኢና ረኺብና ይብሉ ፖሊስ።

እቶም ተባኣስቲ ማህሰይቲ እኳ እንተ ወረዶምን ንእስቶን ናብ ሆስፒታል ዘብጽሕ ከም ዘይኮነን ተነጊሩ።

ክልቲኣቶም ንሓድሕዶም ናብ ፖሊስ እኳ እንተጠርዑ ፖሊስ ንሓዲኦም’ውን ኣብ ቀይዲ ኣየእተወን።

በዚ ምኽንያት መገሻ ዝተረፉ ተጓዓዝቲ ተደናጒዩ እዩ ተባሂሉ።

ሰራሕተኛታት ምቊጽጻር ንብረት ገያሾ ኣብ ከምዚ ዝበለ ባእሲ ክኣትዉ ኣመና ሳሕቲ ግዜ ዘጋጥም እዩ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክትሓርቕ ንቡር እዩ፡ ግና ከምዚ ዘለ ጒዳይ ገጢሙኒ ኣይፈልጥን ክትብል ኦላ ኦስተርሊንግ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com