Thursday , March 28 2024
A closed restaurant in Helsinki last year. From Tuesday, restaurants are open until 9 p.m.

ኣብ መደበራት ንግዲ ዝተዶከና ቤት ምግብታት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሓንቲ ጣውላ፡ ከአንግዳ መምርሒ ወጺኡ

ናይ ገዛእ ርእሰን ኣፍደገ ዘይብለን ኣብ ከም በዓል ኢክያ ዝኣመሰላ መደበራት ንግዲ ዝተዶከና ቤት ምግብታት፡ ካብ ዕለት 01/03/2021 ጀምረን፡ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ጣውላ ከአንግዳ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን መምርሒ ከመሓላልፍ ምዃኑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣቐዲሙ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝቐርብ መምርሒታት፡ ቤት ምግብታትን ባራትን ኣብ ሰዓት 8፡30 ድ.ቐ. ክዓጽዋ ዝብል እዩ። መስተ ዝሸጣ ቤት ምግብታት፡ ክሳብ ሰዓት 11፡00 ቅ.ቐ. ዘሎ ግዜ፡ ክኸፍታ ከምዘይግበአን ዝሕብር ኮይኑ እተን መስተ ዘይሸጣ ቤት ምግብታት ግን ካብ ሰዓት 5፡00 ወጋሕታ ኣፍደጊአን ክኸፍታ ከምዝኽእላ እቲ መምርሒ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com