Friday , March 29 2024

ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ዕሸል ተወሊዱ

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ዝርከብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ስኮነ፡ ሓደ ክልተ መዓልታት ዝዕድሚኡ ቅድሚ እዋኑ (premature) ዝተወልደ ዕሸል፡ ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ከምዝተረኽበ ሓደ ሕክምናዊ ጆርናል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዋ ነፍሰጾር ናብ’ቲ ሆስፒታል ምስ መጸት፡ ኩነታት ናይቲ ዕሸል ንምፍላጥ ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ ሕጽረት ኦክሲጂንን ድኹም ህርመት ልብን ከምዘለዎ ተፈሊጡ። እቶም ሓካይም ተቐላጢፎም ነቲ ዕሸል ካብ ወላዲቱ ከምዝፍለ ድሕሪ ምግባሮም፡ ከምቲ ንዝኾነ ቅድሚ እዋኑ ዝውለድ ዕሸል ዝግበር ሓገዝ ተገይርሉ።

እቶም ሓካይም ኣብ ዘካየድዎ መርመራ፡ ኮቪድ-19፡ ኣብ ወላዲት፡ ዕሸልን መዳሕንትን ከምዝረኸቡ ተፈሊጡ። እቲ መዳሕንቲ ድማ ብሰንኪ ኮቪድ-19፡ ቅርጹ ቀይሩን ተሃስዩን ምጽንሑ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ዕሸል ግን ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ ጸረ ኣካል (antibody) ከምዘጥረየ ገሊጾም።

ነዚ ኩነታት ድሕሪ ምዕዛብ፡ ነፍሰ ጾራት፡ ምስ ሕማም ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ፡ ብፍሉይ ክጥመታ ከምዘለወንን ምስ ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረት ሰብ ክምደባ ይግበአን እዩ ክብል ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዶክተር፡ ሜህሬን ዜይሃም፡ ገሊጹ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com