Thursday , April 18 2024
Bild / TT

ኣብ ማልም ናብ መስጊድ ዝዓለመ ተዂሲ ተጌሩ።

ኣብ ማልም ለይቲ ምድሪ ናብ ሓደ መስጊድ ተዂሲ ከም እተገብረ እንተኾነ ግና ምንም ሃስያ ዘይምብጽሑ ጋዜጣ ዴይሊ ኣፍቶንብላዴት ጸብጺባ።

እቲ ተዂሲ ብድምጺ ርችት ሓድሽ ዓመት ተዓቢሱ ኣቓልቦ ክስሕብ እኳ እንተዘይከኣለ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነቲ መስጊድን ምንጪ እቲ ተዂሲን ከም ዝመርመሩ ኣፈኛ ፖሊስ ማልሙ ኣና ጎራንሰን ሓቢራ።

እቲ ተዂሲ ብብዝሒ ናብቲ መስጊድ ዘቕንዐ ምንባሩ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ፖሊስ ነቲ ገበን ምምርማር ምጅማሮም ምርግጋጻ ጎራንሰን ገሊጻ።

እታ ጋዜጣ ሽም ናይቲ ዕላማ ዝኾነ መስጊድ ኣይረቚሐትን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com