Friday , March 29 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ኣብ ማልም ዝኽሰት ዝነበረ ተዂሲን ምፍንጃርን ካብ 40-60 % ምጒዳል ኣርእዩ።

ኣብ 2018 “ኣይትተኲስ” ዝብል ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ድሕሪ ምትእትታዉ፥ ኣብ ማልመ ዝኽሰት ዝነበረ ተዂሲን
ምፍንጃርን ካብ 40 – 60 % ምጒዳል ምርኣዩ ተገሊጹ። እዚ ስትራቴጂ ከቢድ ጎነጽ ደው ንምባል ዓሊሙ ኣብ መንጎ ፖሊስ፡
ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ካልእዕት ማሕበራት ምትሕብብር ፈጢሩ እዩ። እዚ ስትራቴጂ ካብ ኣመሪካ ዝተቐድሐ ኮይኑ፡ ኣብ
ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ውጽኢታዊ እናኾነ ምምጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።
እንተኾነ ግና ነዚ ምጒዳል ተዂሲን ምፍንጃርን ኣበርክቶ ዝግበር ዘሎ እዚ “ኣይትተኲስ” ዝተባህለ ስትራቴጂ ብዛዕባ ምዃኑ
ብርግጽነት ምዝራብ ከም ዘይከኣል፥ ዩኒቨርሲቲ ማልም ከምኡ’ውን ሃገራዊ ቆንስል ንምክልኻል ገበን ዘካየድዎ ሓድሽ
መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

“ን ጒዳይ ጎነጻዊ ገበን ኣመልኪቱ ብዙሕ ክስራሕ ምስ ምጽንሑ ንሓደ ረቛሒ ንበይኑ መዚዝካ ምውጻእ ኣሸጋሪ እዩ፡ ምናልባት
እቲ ለበዳን ካልእን እውን ነዚ ተርእዮ ኣበርክቶ ጌሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም” ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማልም ተሓጋግዚት
ፕሮፌሰር ከምኡ’ውን ክሪሚኖሎጂስት ኣና ካሪን ኢቨርት ገሊጻ’ላ።
“እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ማልም ተዂሲን ምፍንጃርን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምውራዱ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ 2017 ምስ ዝነበረ
ልዑል ኣሃዝ እንክወዳደር፥ ዘገርም ምንካይ ኣርእዩ’ሎ” ክትብል ኢቨርት ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com