Wednesday , April 24 2024

ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝሰርሕ ሓላፊ፡ ብሰንኪ ክታበት ኮሮና፡ ካብ ስራሕ ደስኪሉ

ብዙሓት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ሰብ መዚ፡ ክታበት ኮሮና ኣብ ዘይተራኦም ( መስርዖም ) ብቐዳምነት ድክሰዱ ከምዝጸንሑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ሕጂ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝሰርሕ ሓላፊ፡ ተመሳሳሊ ዓይነት ጉድለት ብምፍጻሙ፡ ካብ ስራሕ ከምዝደስከለ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ጉድለት ምግባሮም፡ ኣድልዎ ወይ ኣፈላላይ ዘለዎ ኣይኮነን ክብል ዳይረክተር ምምሕዳር ከተማ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ።

ዳይሬክተር ምምሕዳር ከተማ፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ንጉዳይ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሓለፍቲ ዝምልከት ዘጽንዕን ዝከታተልን ጉጅለ ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ፡ ክታበት ክወስዱ ዝግበኦም ሰባት፡ እቶም ኣብ እንዳ ዓበይቲ ዝቕመጡ ሽማግለታትን ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ሽማግለታትን ኣባላት ሓለዋ ጥዕናን ኣዝማድ ናይቶም ሽማግለታትን እዮም ክኾኑ።

እታ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ መጽናዕቲ እተካይድ ሓዳሽ ጉጅለ፡ እዞም ሰብ መዚ፡ ስለምንታይ መምርሒታት ክታበት ክኽተሉ ዘይምኽኣሎም ክትመሚ እያ። እዞም ሓለፍቲ ዝፈጸምዎ ጉድለት፡ ድሲፕሊናዊ ጉድለት ኮይኑ፡ ካብ ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ዝሓልፍ ኣይክኽውንን እዩ ክብል እቲ ዳይሬክተር ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com