Thursday , March 28 2024
Johan Nilsson/TT

ኣብ ማእከላይ ማልሞ ምፍንጃር ይኽሰት።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ማእከላይ ማልም ሓደ ተፈንጃሪ ምንታጒነ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት እታ ከተማ እቲ ነውጺ ከም እተሰምዐን ተገሊጹ።

ብዘይካ ኣብ ጥቓ ምፍንጃር ዝተኸስተሉ ቦታ እተራእየ ምስብባር መስትያት መሳዂቲ ካልእ በቲ ምፍንጃር ዝወረደ ጒድኣት ከም ዘየልቦ ተፈሊጡ’ሎ።

ክኢላታት ተፈንጀርቲ ነቲ ቦታ ብምኽላል መርመራ ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ምኽላል ሎሚ ንግሆ ኣልዒሎሞ’ለዉ።

ኣፈኛ ፖሊስ Anna Joranson “እዚ ምፍንጃር ስለምንታይ ኣጋጢሙ ዛጊት ዝፈለጥናዮ ነገር የለን” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ’ላ።

“ናይ ሓለዋ ካሜራ ነይረን እንተኾይነን ንምርምር ኣሎና” ትብል ወሲኻ። “እዚ ነውጺ ብነታጒ ከም እተፈጸመ ኣረጋጊጽና ኣሎና” ይብል በዓልመዚ ፖሊስ ማልም Girker Olson ምስ ጋዜጣ Sidesvanskan ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ።

እዚ ገበን ኮነ ኢልካ ህዝባዊ ጥሪት ንምዕናው ብዝብል ድርኺት እተገብረ ምዃኑ ስምምዕ እኳ እንተሎ ክሳብ ሕጂ ብጠርጠራ እተታሕዘ ሰብ ግና የሎን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com