Wednesday , April 24 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ብዝወረደ ውርጪ ትራፊክ ተዓጊቱ።

ኣብ ማእከላይ ሽወደን ክሳብ 30 ሰንቲሚተር ዝኸውን ውርጪ ክወርድ እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ኡረብሮ፡ ቫስትራ፡ ኣፕሳላ ከምኡውን ስቶክሆልም ብርቱኻናዊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ።

ኣብ ማእከላይ ኡረብሮ ብስንኪ ውርጪ ዓበይቲ መካይን ተዓጊተን ጒዕዞአን ዘገምታዊ ክኸውን ምግዳደን ተመልኪቱ’ሎ። በዚ ድማ ኲሎም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ክስረዙ እንከለዉ ኣብ ስቶክሆልም ከምኡውን ዞባታት ቫስትማላንድ ን ኣፕሳኣን ምዕጋት ትራፊክ ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። ብዘይካቲ ውርጪ ብርቱዕ ንፋስን ኣብባይታ ዘሎ በረድን ተወሰኽቲ ስግኣት ትራፊክ ኮይኖም ምህልዎም ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ። እዚ ኲነታት ኣብቲ ብብዝሒ ውርጪ ዝወርደሉ ዘሎ ደቡባዊ ዞባታት ክጋደደ ከም ዝኽእል ን ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ብምጥቃስ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com