Friday , April 19 2024
Olmo Calvo/TT

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ድሒኖም።

ሓለዋ ገማግም ስፔይን ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት 401 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኑ።

ኣፈኛ እቲ በዓልመዚ ከም ዝገለጾ ብሰሉስ 111 ሰባት ብረቡዕ ከኣ 290 ሰባት እዮም ካብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝወጹ ተጌሮም።

ስፔይን ንጣልያንን ግሪኽን ብምሕላፍ ዝበዝሑ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ዝበጽሑላ ሃገር ኮይና’ላ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጒራዊ ውድብ ስደት ካብ ታሕሳስ 19 ክሳብ ባሕቲ ጥሪ ጥራይ 56 ሽሕ ስደተኛታት ስፔይን በጺሖም 769 ከኣ ሞይቶም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com