Thursday , March 28 2024

ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብሕማም ኮቪድ ናይ ምሟት ሓደገኦም ዝዓበየ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኣብ ክሊ ዕድመ 50 ክሳብ 64 ዓመት ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ናይ ምሟት ተኽእሎኦም፡ ካብተን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብ 4 ዕጽፊ ከምዝዓቢ  ንጸብጻባት ማእከል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን ብምጥቃስ፡ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብሕማም ኮቪድ-19 ናይ ምሟት ሓደጋ፡ ኣብ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ዓቢ ምዃኑ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ግን እቲ መጠን ሓደጋ ካብ ማእከላይ ዕድመ ዝጅምር ምዃኑ፡ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ከም መጠን እቶት፡ ደረጃ ትምህርትን ሕዱር ሕማምን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት፡ ልዕሊ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጾታታት ዘሎ ባዮሎጂካዊ ፍልልያትን ናይ ሰውነት ምክልኻል ዓቅምታትን፡ ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ  ከምዘይኮኑ፡ ይገልጽ።

እዚ ኣብ መንጎ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝተራእየ ፍልልይ፡ ሓደ መግለጺ ክርከቦ እንተድኣ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ናይ ኣካላትና ሆርሞናትን ኣብ ናይ ሰውነትና ምክልኻል ዓቕምታት ዘለዎ ጽልዋን ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ክብል እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ወርሓዊ ጽግያተን ዘቋረጻ ስለዝኾና፡ መጠን ኣብ ኣካላተን ዝርከቡ ኤስትሮጂንን ተስቶስትሮን ዝበሃሉ ሆርሞናት ስለ ዝጎድሉ እዩ ዝብል ሓበሬታታት ዘይተኣከበሉ ጥንሰ ሓሳብ (hypothesis) ኣሎ ክብል ነቲ ጸብጻብ ዘዳለወት፡ ዮሃና ሲዮሪን፡ ዝተባህለት ጋዜጠኛ ዳገንስ ኒሀተር ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com