Friday , April 19 2024
Johan Nilsson// TT

ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ዮተበሪ ምፍንጃር ኣጋጢሙ!!

ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዮተበሪ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ክልተ ገዛውቲ ጒድኣት ከም ዝበጽሐን ፖሊስ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እዚ ምንጩ ዘይተፈልጠ ምፍንጃር ናይ ክልተ ኣባይቲ መስትያትን ተዓሺጋ ዝነበረት መኪናን ተጐዲኦም ኣለዉ።

ዋላኳ ዝተጐድአ ሰብ እንተዘይሃለወ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሰባት ከቢድ ምስንባድ ምፍጣሩ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ከባቢ ሰዓት 2 ክኢላታት ምግንጃት ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ክሳብ ሰኑይ ነቲ ቦታ ኸርዲኖሞ ምጽንሖምን መርመራ ከም ዝገበሩን ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com