Thursday , March 28 2024

ኣብ ማእከል ስቶክሆሎም፡ ሓንቲ መዐሸጊ መኪና (Parking) ንመሸጣ ቀሪባ

ኣብ ሶደርማልም፡ ስቶክሆሎም፡ ዝርከብ መዐሸጊ መኪና ንመሸጣ ብ 1,050,000 ክሮን ከምዝቐረበ ተሓቢሩ። እቲ መዐሸጊ መኪና ኣብ ሓደ ኣብ ሶደርማልም ዝተዶኮነ ጋራጅ ከምዝርከብ ተፈሊጡ።

ዋጋ ናይቲ መዐሸጊ መኪና፡ ምስ ኩነታት ዕዳጋ ዝተሓሓዝ እዩ። እንተኾነ፡ ንኸምዚ ዓይነት ዕድጊ፡ ካብ ባንክ ልቓሕ ክትረኽበሉ ኣይከኣልን እዩ ክብል ነቲ ጉዳይ መሸጣ ዝከታተል መንጎኛ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ዓሰርት ዝኾና መዐሸጊ መካይን ብሒሳብ 1 ሚልዮን ክሮን ንሓደ ከምተሸየጠ ጋዜጣ ሚት (mitt) ሓቢሩ።

ነቶም ኣባይቲ ዝዕድጉ ሰባት፡ ገንዘብ ካብ ባንክ ከነለቀሖም እንከለና፡ እቲ ገዛ ከም ውሕስነት ተታሒዙ እዩ እቲ ልቃሕ ዝወሃብ። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ዕድጊ፡ ንመዐሸጊ መካይን ከምውሕስነት ሒዙ፡ ባንክ፡ ልቓሕ ክህብ ከምዘይክእል ጋዜጣዊ ሓላፊ ስዌድ ባንክ፡ ኦውኒ ጂርንዳል፡ ገሊጹ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com