Friday , March 29 2024
A rescue worker walks among the rubble where a wing of a 12-story beachfront condo building collapsed, Thursday, June 24, 2021, in the Surfside area of Miami. (AP Photo/Lynne Sladky) PNA702

ኣብ ማያሚ (ኣመሪካ): ሓደጋ ምፍራስ መንበሪ ህንጻ: ኣጋጢሙ

ኣብ ሰሜን ማያሚ: 12 ዝደርቢ መንበሪ ህንጻ: ምሉእ ብምሉእ ብምፍራሱን ኣባላት መድሕን: ብህይወት ዝተረፉ ንምርዳእ ኣብ ፍርስራስ እቲ ህንጻ ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ምህላዎም ተገሊጹ።

ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን 99 ሰባት ዛጊት ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠን ተሓቢሩ’ሎ። እቶም ናይ መድሕን ኣባላት ክሳብ እዛ ሰዓት ስልጡናት ኣኽላባትን ሶናር ካሜራታትን እናተጠቕሙ ፈተሸኦም ይቕጽልዎ ኣለዉ ኢሉ እቲ ጸብጻብ።

እዚ ካብ ዝህነጽ 40 ዓመት ዝገብረ ን 12 ዝደርቡን ህንጻ ስለምንታይ ክፈርስ ክኢሉ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን። እዚ ህንጻ ክፈርስ እንከሎ ክንደይ ሰባት ኣብ ውሽጡ ኔሮም ብልክዕ ከም ዘይተፈልጠ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ቢቢሲ: ካብቲ ፍርስራስ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሰባት ክድሕኑ ከም እተገብረ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። እቶም ኣባላት መድሕን ግዳያት ምልላይ መታን ክኽእሉ ካብ ስድራቤቶም ናይ DNA ሳምፕላት ምውሳዶም ገሊጾም ኣለዉ።

እዚ ህንጻ ሕጂ’ውን ብድኹም መላግቦታት እተተሓሓዙ ጠልጠል ዝበሉ ፍራሳት ከም ዘልውዎን ሓደገኛ ምዃኑ እቶም ሰራሕተኛታት መድሕን ገሊጾም ኣለዉ።

“ብሜላን ብጥንቃቐን ኢና ንዓዪ ዘለና” ክብል ተሓጋጋዚ ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ማያሚ: ረይ ጃዳላ: ይገልጽ። እዚ መስሮሕ ፈተሻ ብሰንኪ ዘየቋረጸ ዝናብን ማዕበልን ዕንቅፋት ይገጥሞ ኣሎ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com