Thursday , March 28 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ኣብ ምምሕዳር ሃላንድ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ተዓጽያ

ኣብ ከተማ ሂልትብሩክ (Hyltebruk)፡ ምምሕዳር ሃላንድ፡ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ብዝተራእየ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ክሳብ ጽባሕ ረቡዕ፡ ንጥፈታታ ደው ከምዘበለት ምምሕዳር እታ ቤት ትምህርቲ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ጋዜጣ ሃላንድፖስተን፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተማሃሮ፡ ብቫይረስ ኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉ ገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ዕጽዋ፡ ኣስታት 450 ተማሃሮ ከም ዝተጸልዉን፡ ካብ ገዝኦም ክመሃሩ ምዃኖምን ተፈሊጡ።

እዚ ዝተወስደ ናይ ምዕጻው ውሳነ፡ ነቲ ዝረአ ዘሎ መልከፍቲ ንምኹላፍ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ሓላፊ ቤት ትምህርቲ፡ ኤሪክ ቢዮስ፡ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com