Friday , April 19 2024
Credit: Nisse Schmidt/TT

ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ካብ መንደራጋሕ ክጥንቀቑ መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ኣብ እምባታት ሽወደን ኣብ ጸወታ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ዘበሉ ኣብዚ ወቕቲ ካብ ዘጋጥም መንደራጋሕ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ሰብመዚ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ኣብ መወዳእታ ለካቲትን ምጅማር ወርሒ መጋቢትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንሰሙን ዝዕጸዋሉን ብዙሓት ስድራቤታት ንበዓላት ናብ ዓቐብ ዝበዝሖ ከባቢታት ከም ዝዛወሩን እቶም ሰብ መዚ ገሊጾም።

ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝዋፈሩ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ጸዳፋት ቦታታት ኣብ ፍሉጣት ገጸምድሪ ጸወታኦም ከካይዱ ኣብ አጀንሲ ምክልኻል ኣከባቢ ኣብ ጒዳይ መንደራጋሕ ዝሰርሕ Per-Olov Wikberg አበዋኡ ኣቕሪቡ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com