Thursday , April 25 2024
the mother of a child who was killed by the Israeli army in west bank (AP Photo/Nasser Nasser) NN107

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም: ወዲ 12 ዓመት ህጻን ተቐቲሉ

ወዲ 12 ዓመት ፍልስጤማዊ: ጥቓ ሄብሮም: ብተዂሲ ሰራዊት እስራኤል ከም እተቐትለ ሰብመዚ ፍልስጤም ገሊጾም። ኣብ ውሽጢ መዓልታት: ሳልሳይ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እተቐትለ ፍልስጤማዊ ሲቪል ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ህጻን ምስ ኣቦኡ ብመኪና ኣብ ጥቓ ሄብሮም ኣብ እትርከብ ከተማ ቤይት ዑመር ይጓዓዙ ምንባሮምን ብሰራዊት እስራኤል ብዝተተኮሰሎም ጥይት ኣብ ደረቱ ተወቒዑ ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ። እዚ ኲነታት ኣብ ትሕቲ መርመራ ምህላዉ ዘ ታይምስ ኢስራኤል ንሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ብምጥቃስ ሓቢራ’ላ። ብመሰረት እታ ጋዜጣ: ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ዕግርግር ኣይነበረን።

ሓደ ሰዓት: ቅድሚ እዚ ፍጻመ: ሰራዊት እስራኤል ኣብ ከተማ ናብሉስ: ንሓደ ብምልሓም ዝመሓደር ፍልስጤማዊ ምቕታሎም እታ ጋዜጣ ወሲኻ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com