Friday , April 19 2024
a member of the Army Forces receives the China's Sinopharm vaccine during the start of the vaccination campaign against the COVID-19 at the Health Ministry in Dakar, Senegal. (AP Photo/Leo Correa, File) XDF110

ኣብ ሰኔጋል፡ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣጋጢሙ

ኣብ ሃገረ ሰኔጋል፡ ንመጀምርታ ግዜ 738 ሰባት ብኮሮና ከም ዝተለኽፉን እዚ ድማ ዝለዓለ  መጠን መልከፍቲ ኮሮና ከምዝኾነ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ንጹር ክኸውን ደልየዮ ዘለኹ፡ እዚ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናወሰኸ እንተድኣ ቀጺሉ፡ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ክእወጅ ከምዝኽእልን፡ ዶባት ሃገረ ሰነጋል ክዕጸውን ማሕበራዊ ዕጽዋ ክካየድ ከምዝኽእልን ፕረዚደንት’ታ ሃገር፡ ማርኪ ሳል፡ ኣብ ተሌቪዥን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

ኣብ ሃገረ ሰኔጋል፡ ክሳብ 49 ሽሕ ዝበጽሑ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉን 1200 ድማ ዝሞቱ ሰባት ከምዘለዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com