Friday , April 19 2024
Janerik Henriksson/TT

ኣብ ስቶክሆልም ዝርከቡ ኣባላት ናዚ ኣጠቓቕማ ካራ ይመሃሩ።

ጋዜጣ ተቓዋሚ ሰልፊ ኖርዌይ SVO ሰልፊ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ኖርዲክ ኣብ ስቶክሆልም ምምሕዳር ከባቢ Nacka ሓደ ህንጻ ብምክራይ ንኣባላቱ ኣብ ኲናት ዝህሉ ኣጠቓቕማ ካራ ይምህር ኣሎ ተባሂሉ።

እዚ ተኻርዮሞ ዘለዉ ህንጻ ብማሕበራት ስፖርት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኮይኑ ዝበዝሐ ንጥፈታቱ ናብ ትሕቲ ዕድመ ተመሃሮ ዘተኰረ እዩ ኔሩ።

ብመሰረት እታ ጋዜጣ ምምሕዳር ከባቢ Nacka ህንጻኡ ክንፊ ናዚ ብዝኾነ ሰልፊ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ኖርዲክ ከም እተኻርየ እናፈለጠ ስቕ ኢሉ ክራዩ ይእክብ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ።

“ብመሰረት ዝገበርናዮ ሕጋዊ ገምጋም ኣባላት እዚ ምንቅስቓስ ኣብቲ ህንጻ ልምምድ ይገብሩ ኣለዉ፥ ይኹን”ምበር ኣብ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ወይ ገበናዊ ንጥፈት ኣይተዋፈሩን።

ስለዚ ነዚ ህንጻ ካብ ምክራይ ክንክልክሎም ኣይንኽእልን ኢና” ይብል ዳይርክተር ባህሊን ምዝንጋዕን ምምህዳር ከተማ Andres Mpius. ምምሕዳር ከባቢ Nacka ጸረ ጎነጻውያን ሕሉፋዉን ባእታታት ዝወስዶ መርሓ ተግባር ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ብዘይካዚ ከምዚኦም ዝበሉ ሕሉፋት ዝርከቡሎምን ዝስስኑሎምን ከባቢታት ምልላይ ሓደ ካብ ዕማማቱ ምዃኑ ነት ጋዜጣ ሓቢርዋ”ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com