Saturday , April 20 2024
UMEÅ 201119 E4:an genom Umeå i snöfallet på torsdagsförmiddagen. Foto: Erik Abel / TT / Kod 10470

ኣብ ስቶክሆሎምን ደቡባዊ ክፋል ሽወደንን፡ ልዑል መጠን በረድ ክወርድ ምዃኑ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ

ሎሚ ሓሙስ፡ ኣብ ካልማር፡ ኦስተርዮትላንድ፡ ሶደርማንላንድን ስቶክሆሎምን ልዑል መጠን በረድ ክወርድ ምዃኑን ኣብ ስቶክሆሎም ድማ እቲ ኩምራ በረድ ክሳብ 20 ሴንቲሜተር ዝበጽሕ ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክፈጥር ከምዝኽእል በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኩምራ በረድ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሴ.ሜ. ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ  ብምፍጣሩ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ናይ ተሽከርከርቲ፡ ከቢድ ጸገም ፈጢሩ ምጽንሑ ይዝከር። ስለዚ፡ መኪና ትመርሑ ሰባት፡ ናይ ምንሽርታት ሓደጋ ከጋጥም ስለዝኽእል፡ ጥንቃቐ ከድልየኩም እዩ ክብል ኣብ ተሌቪዥን ሽወደን፡ ክኢላ ኩነታት ኣየር፡ ያኒከ ኺትስካሪት፡ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ምምሕዳር ሃላንድ፡ ብሰንኪ ልዑል መጠን በረድ ምውራዱ፡ ኣብ ምንቅስቓስ መካይን ጸገማት ከም ዝፈጠረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከምሳዕቤኑ፡ ትማሊ ረቡዕ ምሸር ሰዓት 10፡00፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ 6 ሓደጋታት መካይን ኣጋጢሙ ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት መድሕን ከተማ ሃልምስታድ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com