Wednesday , April 24 2024

ኣብ ሽወደን፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ሳልሳይ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ተሰሪዑ

ክሳብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ሳልሳይ ብብዝሒ ሰባት ዝቐተለ ሕማም ኮይኑ ምጽንሑ ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ሕማም ልቢ ኮይኑ ካልኣይ ድማ ሕማም መንሽሮ እዩ።

እቲ ክፍሊ ኣብ ዘውጽኦ ፍርቂ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ካብ ባሕቲ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ፡ ክሳብ 51534 ዝኾኑ ሰባት ምሟቶም ገሊጹ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።

ካብዚኣቶም 14ሽሕ ብሕማም ልቢ ከም ዝሞቱ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ ካልኦት 11600 ብካንሰር 5500 ከኣ ብ ሕማም ኮቪድ-19፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ህይወቶም ምሓላፉ ኣመልኪቱ’ሎ። ምስ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ ናይ 2019 ክነጻጸር እንከሎ፡ እዚ ሓድሽ ሕማም፡ ንመጠነ ሞት ደቂ ኣንስትዮ ብ 10% ንናይ ደቂተባዕትዮ ኸኣ ብ 14% ንክውስኽ ተራ ከምተጻወተ ይንገር።

ተመሳሳሊ መጠነ ሞት ደቂተባዕትዮ ኣብ 2013 ናይ ደቀንስትዮ ድማ ኣብ 2017 እዩ ኣጋጢሙ ኔሩ ክትብል  ኣብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ድሕነት በዓልቲ መዚ ዝኾነት ሞና ሆርግረን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ገምጋም ዕድመ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ 2020 ዝሞቱ ሰባት፡ ናይ ደቀንስትዮ 82.5 ዓመት ናይ ደቂተባዕትዮ ድማ 77.6 ዓመት ምዃኑን ምስ ናይ ዓሚ ብምንጽጻር ብፍርቂ ዓመት ዝለዓለ ከም ዝኾነ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ምምጻእ ሕማም ኮሮና ንመጠን ነፍሰ ቕትለት ክውስኽ እዩ ዝብል ስግኣት እኳ እንተነበረ፡ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ግን  ንዝነበረ ስግኣት ዘመልክት ሓበሬታ ኣየርኣዩን። ጠቕላላ ቁጽሪ ናይቶም ነፍሰ ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት 611 ምብጽሑ ተፈሊጡ ኣሎ። ካብዚኣቶም እቶም 437 ደቂተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ እተን ዝተረፋ ድማ ደቀንስትዮ ምዃነን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com