Friday , March 29 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ ሽወደን፡ መጠን መልከፍቲ ብሓድሽ ጅር ኮሮና፡ እናዓበየ ምምጽኡ ተገሊጹ

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት፡ ምስፍሕፋሕ ደልታ ጅር ኮሮና፡ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ንጸብጻባት በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ መበል 26 ሰሙን ናይ ዓመተ 2021፡ ብዝሒ ናይቶም ብደልታ ዝተባህለ ሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት እናዓበየ ምምጽኡን፡ ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ብቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት እቶም 60% በዚ ሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ደልታ፡ ዝተለኽፉ ኮይኖም እቶም 30% ድማ ብጅር ኮሮና፡ ኣልፋ፡ ዝተለኽፉ እዮም። ኣብታ ቅድሚ እዘን ሳምንታት ዝነበረት ሰሙን፡ መጠን መልከፍቲ ብጅር ኮሮና፡ ደልታ፡ 40% ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ሽወደን፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ምንቁልቋል የርኢ’ኳ እንተሎ፡ ኣብ ከም ዮምትላንድ ሃረዳለንን ስቶክሆሎምን ዝኣመሰላ ምምሕዳራት ግን ቅሩብ ምውሳኽ መጠን መልከፍቲ የርእያ ምህላወን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ዓለምን ውን፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ እናዛየደ ይኸይድ ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com