Thursday , April 25 2024

ኣብ ሽወደን ሕጊ ምትካኽ ንሺሻ ከም ዘጠቓልል ተገሊጹ።

ካብ ባሕቲ ሓምለ ጀሚሩ ካብ ምትካኽ ናጻ ዝብል ሕጊ ሽወደን ኣብ ተግባር ክውዕል እዩ።

እዚ ማለት ኣብ ኣብያተ መግቢን ካፌታትን ሽጋራ (ቆጽላዊ ይኹን ኤለትሮኒካዊ) ከምኡ’ውን ሺሻ ምትካኽ ክኸልከል እዩ።

እዚ ንውሽጢ ቤት እዚ ዝተጠቕሱ ኣባይትን ግዳማዊ ቀጽሮምን ዘጠቓልል እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ተሌቪዥን SVT ሺሻ ምስሓብ ኣካል ናይዚ ሕጊ ምትካኽ እዩ።

እዚ ሕጊ ኣብ ወነንቲ ካፌን ተጠቀምቲ ትኪ ኣርኪላን ዘይዕጋበት ፈጢሩ ምህላዉ እታ ተሌቪዥን ብተወሳኺ ጸብጺባ’ላ።

ሓደ ካብዞም ወነንቲ ካፌ ምስዛ ተሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕን ኣብ ናይ ፌይስቡክ መልእኽቱን ነዚ ሕጊ ነቒፍዎ’ሎ።

“እዚ ሕጊ ምትካኽ ንሺሻን ኣርኪላን ከም ዘጠቓልል ዝበዝሑ ሰባት ዝርድኡዎ ኣይመስለንን” ይብል Carne።

“ካፌታት ሰባት ብሓባር ዝዘናግዑሉ ከባቢ እዩ…ንካፌ ተዝገድፍዎ ጽቡቕ ምኾነ” ድማ ኢሉ።

ሓላፊት ማሕበራዊ ኮሚተ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ Christina Nelson ምትካኽ ንጥዕና ሃሳዪ ምዃኑ ቆጽላዊ ይኹን ኤለትሮኒካዊ ሽጋራ ኸኣ ንጥዕና ጎዳእቲ ምዃኖም ኣመልኪታ።

“ዕላማ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ መንእሰያት ባሮት ወልፊ ኒኮቲን ንኸይኮኑ እዩ” ኢላ።

 ወሲኻ ድማ ” ከምኒ ኣዝማ ዝመሰለ ሕማም ዘለዎም ሰባት ንጹህ ኣየር ክረኽቡ መሰል ኣለዎም” ብምባል ነቲ ውሳኔ ኣብሪሃቶ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com