Thursday , March 28 2024
Credit: Marko Säävälä/TT

ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ንምርካብ፡ ግድነታዊ መርመራ ቋንቋ ሽወደን ክወሃብ እዩ።

ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ንምርካብ፡ ኣመልከትቲ ቅኑዕ መልሲ ምምራጽ (ማልቲፕል ቾይስ)፥ ናይ ምስማዕ ብቕዓት
ከምኡ’ውን ብዛዕባ ህይወትን ስራሕን ሽወደን ዘጠቓልል ሲቪካዊ መርመራ ክሓልፉ ትጽቢት ክግበረሎም ምዃኑ፥ መንግስቲ
ትማል ሰኑይ ኣብ ዘቕረቦ እማመ ገሊጹ።
"እዚ መርመራ ኣዝዩ ከቢድ ኣይክኸውን እዩ። ዕላማ እዚ መርመራ ምውህሃድ ሕብረተሰባት ብዝሰለጠ ንምርግጋጽ እዩ። ስለዚ
ድማ እዚ ብዝሕ ዝበሉ ተሳተፍቲ ክዕወትሉ ብዝኽእሉ ደረጃ ክዳሎ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና" ክብል ነቲ ጸብጻብ ዘቕረበ
ፍረድሪክ ፍራይስ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ መርመራ ብደረጃ A2 ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ምስ ዘሎ መዐቀኒ
ምልከት ቋንቋ ዝመሳሰል እዩ። እዚ ኣብ 6 ዝደረጃኡ ስኬል ካልኣይ ደረጃ እዩ። ኣብዚ ደረጃ ተፈታኒ ቅልል ዝበሉ ምሉኣት ሓሳባት፥
ከምኡ’ውን ዝውቱራት መግለጺታት ቋንቋ ክመልኽ፥ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ስድራቤቱን መባእታዊ ሓበሬታ ክህብ፥ ዕዳጋ ወጺኡ
ብዘይጸገም ክሽምት፥ መንገዲ ክሕብር፥ ከምኡ’ውን መባእታዊ ሓበሬታታት ክርዳእ ከም ዝኽእል ከርኢ ትጽቢት ክግበረሉ እዩ።
ብዘይካዚ ሕቶ ፍቓድ መንበሪ ዘእትዉ ሰባት ንናብራን ስራሕ ሽወደን ከምኡ’ውን መሰልን ሓላፍነትን ዘጠቓልል ሲቪካዊ
መርመራ ክቐርበሎም እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ንምዕዋት ኣመልካታይ ጽሑፍ ሽወደን ናይ ምርዳእ ብቕዓቱ ከመሓይሽ ከድልዮ
እዩ። ነፍሲ ወከፍ መርመራ 50 ደቒቕ ኣቢሉ ዝወስድ ኮይኑ፡ ንሓደ መርመራ 700 ክሮና ክፍሊት ዝሓትት እዩ። በጠቓላሊ ነዚ
ናይ ቋንቋን ሲቪክስን መርመራታት ናይ 1400 ክሮና ክፍሊት ምፍጻም ዘድሊ ኮይኑ፡ ተፈታናይ ነዚ መርመራ ክሳብ ዝሓልፍ
ደጋጊሙ ክወስዶ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እዚ እማመ ቋንቋ ካብ ሓምለ 2027 ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ክብል መንግስቲ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com