Thursday , April 25 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

ኣብ ሽወደን ቅልውላው ህንጻ ተኸሲቱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ቅልውላው ህንጻ ድሕሪ 1990ታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ውድብ ህንጻ “ፈደሬሽን ህንጻ ሽወደን” ሓቢሩ። በዚ
ድማ መንግስቲ ሓደ ኮሚሽን ብምቛም፥ ስጒምቲታት ከለልይን ነዚ ሽግር ክፈትሕን ድሌት ከም ዘለዎ ኣብቲ ፈደሬሽን ክኢላ
ፖሊሲ ኣባይቲ ኣና ብሩማን ገሊጻ። እቲ ብእማመ ዝቐርብ ኮሚሽን ካብ ወቕቲ “ሳመር’ ኣትሒዙ ስራሕ ክጅምር
ኣተሓሳሲባ’ላ። “ፈደሬሽን ህንጻ ሽወደን” ንዂለን ኲባንያታት ህንጻ እንተላይ ኣብ ህንጻ ንጡፋት ንዘለዋ ኢንዱስትሪታት ህንጸት
ዝውክል እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ህንጻ፡ ድሕሪ 1990ታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑን እዚ ድማ ኮሚሽን
ንኽቐውም ምኽንያት ይኸውን ምህላዉን፥ እቲ ፈደሬሽን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ኣብ 2021 ኣስታት 70,000 ኣባይቲ ጥራይ ዝተሃንጹ ኮይኖም ኣብዚ ዓመት ግና 25,000 ኣባይቲ ጥራይ እዮም ዝህነጹ ዝብል
ትንበያ ከም ዘለዎ እቲ ውድብ ኣመልኪቱ’ሎ። እንተኾነ ግና ሚኒስተር ኣባይቲን መሰረተ-ልምዓትን ከምኡ’ውን ኣባል
ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኣንድርያስ ካርልሰን እዚ ምቛም ኮሚሽን ዝበሃል ዘሎ ጒዳይ ኣገዳሲ ዘይምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ንሱ ኣብ
ክንዲ ምቛም ኮሚሽን መዋቕራዊ ለውጢ እንተዝተኣታቶ ዝሓሽ እዩ በሃላይ እዩ። ናይ ህንጽ ሕጊታት ቅልል ከም ዝብል ምግባር፡
ንህንጻ ዝኸውን መሬት ብዝቐለለ ከም ዝርከብ ምግባርን ነቲ ሽግራት ከቃልሎ ይኽእል እዩ–ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com