Thursday , April 25 2024
LINDAHL BJÖRN/Aftonbladet/TT

ኣብ ሽወደን ቊጽሪ ጥሩፋት ብርኡይ ወሲኹ ተባሂሉ!!

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን Säpo ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ቊጽሪ ጥሩፋት ካብ ኣማኢት ናብ ኣሽሓት ምውሳኹ ገሊጹ። እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ሳምንቲ ብዙሕ ናይ ምእሳርን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ስርሒታት ምክያዱ’ውን ገሊጹ’ሎ።

ከምዚኦም ዝበሉ ጽልኢ ክዘርኡ ዝውዕሉ ባእታታት ካብታ ሃገር ክስጐጒ ከም ዝግባእ ክኣ ንበዓልመዚ ኢሚግሮአሽን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

“ብሓይሊ ንዴሞክራሲያዊ ስርዓትናን ክብርታትናን ክቕይሩ ዝህቅኑ ባእታትት ኣለዉ” ይብል በዓልመዚ ስለያ Clas Freiberg። ኣብ ሽወደን ናይ ጸጥታ ጸገም ዝኾኑ ጥሩፋት ብግዜይውነት ክቕይድን ክሰጒጒን ኢሚግሬሽን ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዎ ካኣ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com